ውልዶ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ደቅ-ኣንስትዮ ኣመሪካ ሊሊ ዮውሃንስ ወሳኒት ሸቶ ተመዝግብ
ጓል 16 ዓመት ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት ውልዶ ተጻዋቲት ኩዕሶ-እግሪ ደቀንስትዮ ኣመሪካ፡ ሊሊ ዮውሃንስ፡ ምስ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ወሳኒት ሸቶ ብምምዝጋብ ንሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ኣሜሪካ ዓወት ኣጎናጺፋ። ሊሊ። ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ኣሜሪካ 3ይቲ ዝነኣሰት ኣመዝጋቢት ሸቶ ብሙዃን ታሪኽ ሰሪሓ ትርከብ። ሊሊ 18 ደቓይቕ ጥራይ’ኳ ተተጻወተት፡ እቲ ዘርኣየቶ ብሉጽ ምንቅስቓሳት ግን መርኣያ ውሽጣዊ ዓቕማን ብስለታን እዩ። ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ምሕዝነታዊ ግጥም፡ ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ኣሜሪካ ንመዘናኣ ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ደቡብ ኮርያ 3 ብ 0 ስዒራታ።
እዚ ድማ ን ሊሊ ዮውሃንስ ኣባል ኦሎምፒካዊት ጋንታ ኣሜሪካ ክትከውን ሙቹእ ሃዋህው ዝፈጥረላ ምዃኑ፡ ዓበይቲ ተንተንቲ ዓውዲ ስፖርት ብርእሰ ተኣማንነት ይዛረቡ።
ጽቡቕ ዕድልን ዘመነ ስፖርትን ይኹነልኪ ሊሊ ዮውሃንስ!