ፖለቲከኛ የሽዋሽ ኣሰፋ ብዘይ መጸዋዕታ ቤት ፍርዲ ተኣሲሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘሎዉ ፖለቲከኛታት ሓደ ዝኰነ ኣቶ የሽዋሽ ኣሰፋ ብዘይ ዝዀነ መጸዋዕታን ቤት ፍርዲ ከይቀረበን ልዕሊ 48 ሰዓታት ተኣሲሩ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
ኣቶ የሽዋሽ ኣሰፋ፡ድሕሪ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኮረሻ ስልጣን ምምጽኡ፡ኣብ ሰልፊ ኢዜማ ከም ሓደ ካብ ወሰንቲ ፖለቲከኛታት ብምዃን ክዋሳእ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።
በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሙሉ ብርሃን ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃበቶ ቃል ከም ዝሕብሮ፡ ኣቶ የሽዋሽ ብሲቪል ክዳን ዝተኸድኑ ኣባላት ጸጥታ ካብ መንበሪ ቤቱ ከም ዝተወስደን ክወስድዎ ከሎዉ ብዘይ ኣፍልጦ ቤት ፍርዲ ከም ዝኰነን ዛጊት ድማ ኣብ ዝኰነ ይኹን ቤት ፍርዲ ከም ዘይቐረበን ጠቂሳ።
ኣቶ የሽዋሽ ኣሰፋ፡ብዕለት 31 ግንቦት 2024 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ በዓልቲ ቤቱ ዝሃበቶ ሓበሬታ የረድእ።
ኢዜማ ብዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ዝምራሕ ሰልፊ ኰይኑ ከም ክንፊ ብልጽግና ዝሕሰብ ፖለቲካዊ ምትእክኻብ ምዃኑ ብብዙሓት ፖለቲከኛታት ዝንቀፍ ሰልፊ እዩ።