ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ልዕሊ 100 ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም።
ኣብ ማእከላይ ሱዳን፡ ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ቁሸት ብዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።
ኣልጀዚራ፡ “ሽማግለታት ተቓውሞ ዋዲ መደኒ” ንዝተባህለ ዘቤታዊ ሻራ ዲሞክራሲ ምንቅስቓስ ጠቒሱ ከምዘስፈሮ፡ ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ብረቡዕ 05 ሰነ ምሸት ኣብ ልዕሊ ዋድ ኣልኑራ ዝተባህለት ገጠር ናይ ክፍለ-ሃገር ጀዚራ ብዝፈነዉዎ ክልተ ማዕበላዊ መጥቃዕቲታት፡ ቆልዓ ሰበይትን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ንጹሃን ሱዳናውያን ሃሊቖም ኣለዉ።
እቲ መጥቃዕቲ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ዝተሰነየ ከምዝነበረን ሰራዊት ሱዳን ካብ ህዝቢ ንዝቐረበሉ ናይ “ርድኡና” ኣውያት ጸማም እዝኒ ብምሃብ ከምዘጽቀጠን እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ካብ ሞት ዝተረፉ ቆልዓ-ሰበይቲ ናይታ ቁሸት፡ ነቲ ከባቢ ለቒቖም ማንጊል ኣብ ዝተባህለት ካልእ ቁሸት ተዓቚቦም ከምዘለዉ፡ ሽማግለታት ተቓውሞ ዋዲ መደኒ ኣፍሊጡ።
ነቲ መጥቃዕቲ፡ እቲ ሻራ ሰራዊት ሱዳን ዝኾነ መሰጋገሪ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ኮኒንዎ ኣሎ።