ሩስያ፡ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዕንወት ኣዉሪዳ።
ሩስያ፡ኣብ ግዝኣት ዩክሬን ፖልታቫ ዝተብሃለ ቦታ፡ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት
(ድሮን) ሓደ ዋንነቱ ዘይተፈልጠ ፋብሪካ ከም ዝዓነወ ኣፍሊጣ ክትብል ማዕከን ዜና ሮይተርስ ጸብጺባ።
በቲ መጥቃዕቲ ድሮን፡ሓደ ሰብ ከም ዝተጎድአ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣባላት ጸረ ነፈርቲ ዩክሬን፡ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ንመጥቃዕቲ ካብ ዝተዋፈራ 27 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሩስያ፡ ነተን 22 ከም ዘውደቕወን ኣፍሊጦም።
ኣብ ደቡባዊት ግዝኣት ዩክሬን ማይኮሊቭ ኣብ እትርከብ ቁሸት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ተሃሪማ ብምውዳቓ ልዕሊ 10 ናይ ውልቀ ሰባት ገዛውቲ ጉድኣት ዝበጽሖ ኮይኑ፡ ይኹን ደኣ እምበር ዛጊት ዝኾነ ሰብ ከም ዘይሞተ ጸብጻብ ሮይተርስ ወሲኹ ይሕብር።