ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ዝድርት ዉሳነ ሂቡ።
ፕረዚደንት ባይደን ንቊጽሪ ሓተቲ ዑቕባ፡ኣብ ዶብ ሜክሲኰን ኣመሪካን ዝድርት ትእዛዝ፡ ትማሊ ሰሉስ ዕለት 5 ሰነ 2024 ፈሪሙሉ።
ፕረዚደንት ባይደን፡ ነቲ ቐይድታት ዘንበሩ ኣብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኰን ዘሎ ኩነታት ሓተቲ ዑቕባ ብዝምልከት ኣብ መስርሕ ምቁጽጻሩ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሩ።
ማሕበር ሲቪል ሓርነታት ኣመሪካ፡ ነቲ ናይ ባይደን ኣብ ዶብ ብቕጽበት፥ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዓሊሙ ዝትግበር ዝኰነ ዓይነት ቐይድታት ብምቅዋም ክሲ ከም ዝምስርት ኣፍሊጡ ከም ዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።
ባይደን፡ነቲ ትእዛዝ ትማሊ ሰሉስ ዝፈረመሉ፡ቤት ጽሕፈት ዋይት ሃውስ፥ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ መስርሕ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ጉዳይ ስደተኛታት ፖለቲካዊ ክሳራ ከይኾኖ ንምእላይ ብምሓሳብ ከም ዝገበሮ ተንተንቲ የረድኡ።
እዚ ትእዛዝ ፕረዚደንት ባይደን ስደተኛታት ኣብ ዶባት ዑቕባ ከይወሃቦም ዝኽልክል ሕጉ እዩ።
ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ እቲ ደቡባዊ ሸነኽ ዝርከብ ዶብ ብስደተኛታት ከዕለቅልቕ’ዮ ዝብል እምነት ከም ዘሎዎም እቲ ጸብጻብ ወሲኹ የረድእ።