ሓደ ላዕለዋይ መኰነን ሃገራዊ ድሕነት ኬንያ ሞይቱ ተረኺቡ።
ሓደ ላዕለዋይ መኰነን ሃገራዊ ድሕነት ኬንያ ኣብ መንበሪ ቤቱ ሞይቱ ከም ዝተረኸበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝዘርግሐኦ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ቶም ምቦያ ዝተብሃለ ላዕለዋይ መኰነን ሃገራዊ ድሕነት ኬንያ ደሃዩ ብምጥፍኡ፥ኣብ መስርሕ ምድላይ ሃለዋቱ ተጸሚዱ ዝቐነየ ፖሊስ ኬንያ ሞይቱ ከም ዝተረኽበ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ሓደ ፍራንሲስ ኦዱር ዝተብሃለ ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ትማሊ ሰኑይ 3 ሰነ 2024 ርኢዎ ምንባሩ ብምሕባሩ፡ኣብ ዝተገብረ ተፍትሽ ትማሊ ሰሉስ ኣብ መንበሪ ቤቱ ሞይቱ ከም ዝተረኽበ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።
እቲ ሓላፊ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ኬንያ ዝነበረ ቶም ምቦያ፡ጸቕቲ ስነ ኣእምሮ ኣሕዲሩ ብምንባሩ፡ንነፍሱ ባዕሉ ብሽጉጥ ከም ዝቐተለ ማዕከን ዜና ቢኬይኤን (BKN) ዝዘርግሖ ሓበሬታ የገንዝብ።