መራሒት ተቓዋሚ ሰልፊ ሩዋንዳ ካብ ምርጫ ተኣጊዳ
ኣብ ሩዋንዳ፡ መራሒት ሰልፊ “ምንቅስቓስ ድሕነት ህዝቢ”ን ውርይቲ ተቓዋሚት ፕረዚደንት ፖል ካጋመን ድያን ርዊጋራ ዝመጽእ ወርሒ ካብ ዝካየድ ምርጫ ከምእተኣገደት፡ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።
ንሳ፡ ኣብቲ ምርጫ ክትወዳደር ምዃና ኣብ ወርሒ ግንቦት ከምዘፍለጠትን ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ሕጹይነት ደብዳበኣ ከምዘቕረበትን ዘመልከተ እቲ ምንጪ፡ ብሓሙስ 06 ግንቦት ብኮሚሽን ምርጫ ካብ ዝወጸ ግዜያዊ ዝርዝር ኣስማት ናይ ተወዳደርቲ ስማ ከምዝቦኸረ ኣፍሊጡ።
ኮሚሽን ምርጫ ሩዋንዳ፡ ድያን ርዊጋራ ካብ ገበን ናጻ ምዃና ዘረድእ ጽሑፍ ከምቲ ዝድለ ከምዘየቕረበትን ካብ ዜጋታት 600 ናይ ደገፍ ፌርማታት ክትእክብ ከምዘይከኣለትን እዩ ዝገልጽ።
ኣብ 2017 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ እውን፡ ርዊጋራ፡ “ናይ ሓሶት ፌርማታት ኣኪብኪ” ብዝብል ክሲ ኣብቲ ምርጫ ካብ ምውድዳር ተኸልኪላ እያ።
ኣብዚ ናይ ሕጂ ምርጫ፡ ክልተ ሕጹያት ጥራይ ኣንጻር ፖል ካጋመ ክወዳደሩ መስርሖም ኣጻፊፎም ኣለዉ – ፍራንክ ሃቢነዛ ካብ ዲሞክራስያዊ ሓምላይ ሰልፊ፡ ከምኡውን ብውልቁ ዝወዳደር ዘሎ ፍሊፕ ምፓዪማና።