ሓይልታት ወሃብቲ ፈጣን ድጋፍ ሱዳን ኣብ ዞባ ዳርፉር ንዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ከም ዝዘረፉ ተሓቢሩ።
ኣብ ሱዳን ኲናት ሕድሕድ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ዘረፋን ከም ዝተኻየደ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ሕጂ ድማ ሓይልታት ወሃብቲ ፈጣን ድጋፍ ኣብ ዳርፉር ንዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ከም ዝዘረፉ ዜና ኣዣንስ ፍራንስ ፕረስ ዝዘርግሖ ሓበሬታ የመልክት።
ትካል ዜና ኣዣንስ ፍራንስ ፕረስ፡ንሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳን ጠቂሱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ሓይልታት ፈጣን ድጋፍ፡ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዳርፉር ኣብ ከተማ ኣል-ፋሸር እትርከብ ሆስፒታል ብምእታው መሳርሒ ኣገልግሎት ሕክማናን እንተላይ ኣንቡላንስ ዘሪፎም ከም ዝኸዱ እቲ ሓበሬታ የገንዝብ።
ኣብታ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ኣብ ዝኻየደ ዉግእ 192 ሰባት ከም ዝሞቱን ቊጽሪ ቊስላት ድማ 1,230 ምብጽሑ ዝፍለጥ’ዩ።
ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ተቋወምቲ ሓይልታት ወሃቢ ድጋፍ፡ኣብ ዝተገብረ ደማዊ ኲናት ዛጊት ብኣሽሓት ከም ዝሞቱን ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ከኣ ኣደዳ ስደትን ዉሽጣዊ ምዝንባላት ከም ዝኰኑ ጸብጻባት እታ ሃገር ይሕብሩ።