ሩስያ፡ደቡብ ኣፍሪቃ፥ግብጽን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ኣኼባ ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ብሪክስ ተሳልጥ ኣላ።
ገለ ካብቶም ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ 10 ሰነ 2024፥ ዝተቓነዐ ኣኼባ ሃገራት ጉጅለ ብሪክስ ዝተሳተፉ ሰበ ስልጣን ህንዲ፥ቻይና ኢማራት ዓረብን ከም ዝርከብዎ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ጉጅለ ብሪክስ ብመንግስታዊ መሓውራት ዝቆመ ሕብረት ኮይኑ፡ኣብ ምፍጣር ዕድላት ወፍሪን ምሕያል ዝምድና ኣባል እተን ሃገራትን ዕላማ ዝገበረ ምትእኽኻብ ከም ዝኰነ ወግዓዊ ሓበሬታ እቲ ትካል የመልክት።
ገለ-ገለ ተንተንቲ ፖለቲካ ከም ዝብልዎ ግን፡እዚ ምትእኽኻብ እዚ፡ንዕብለላ’ቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ምትእኽኻብ ጉጅለ 7 ንምብዳህ ዝቖመ’ዩ።
ሕብረት ብሪክስ፡ነቲ ብኣመሪካ ዝቕለስ ዓበይቲ ትካላት ከም ባንክ ዓለም፥ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላትን መተካእታ ክኸውን ቻይና ዓቢይ ተስፋ ከም ዘሎዋ ዲፕሎማሰኛታት ይገልጹ እዮም።
ብኣንጻሩ ደቡብ ኣፍሪቃ እቲ ሕብረት ኣንጻር ምዕራብ ዘቋመተ ምትእክኻብ ዘይምዃኑ ትምጕት እያ።
40% ካብ ህዝቢ ዓለም፡ኣብ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ብሪክስ ተጠርኒፉ ይርከብ።
ምስፋሕ እዚ ሕብረት ግን ከምቲ ገለ ኣባላት ሃገራት ዝትስፈወኦ ዘለዋ ቀሊል ዕዮ ኣይኰነን።
“ምስፋሕ ኣባልነት ምሉእ ድጋፍ ኣባላት ሃገራት ኣይረኸበን ዘሎ። ህንዲ ሓንቲ ካብተን ንምስፋሕ ዝቃወማ ሃገርት ሓንቲ እያ። ብራዚል’ውን ተኰነት ሓደስቲ ኣባላት ምሉእ ቅድመ-ኵነት ከተግብራ ክትሓትት ምጽንሓ ዝፍለጥ’ዩ።
ምስፋሕ ኣባልነት ብዝምልከት እቲ መስርሕ ከመይ ከም ዝኸውን ድማ ህንዲ ቀስ ኢሉ ክርአን ክስርሓሉን ትጠልብ።” ክብል ተንታኒ ፖለቲካ ፓትሪክ ሉኲሳ ከም ዝገልጾ ጸብጻብ ማዕከናት ዜና የገንዝብ።