ኢራን ሽዱሽተ ሕጹያት ንፕረዚደንትነት ኣቕሪባ
ኢራን፡ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ንዝሞተ ፕረዚደንት ራኢሲ ንምትካእ፡ ሽዱሽተ ሕጹያት ብዕሊ ኣፍሊጣ።
ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫታ ሃገር ንምውድዳር 80 ሕጹያት ተመዝጊቦም ምንባሮምን፡ ተጻፊፎም ሽዱሽተ ከምዝተጻረዩን ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።
ናይ ሽዱሽቲኦም ኣስማት፡ ብቅዋማዊ ቤት ምኽሪ ድሕሪ ምጽዳቑዩ ብሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዕላዊ ተገይሩ።
ኣብዚ ድሕሪ 20 መዓልታት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ከንቲባ ከተማ ቴህራን ዓሊረዛ ዛካኒ፡ ናይ ኒውክሌር ተዛታዪ ዝነበረ ስዒድ ጃሊሊ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኢራን ኣሚር ሑሴን ሓሽሚ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ነበር ሙስጦፋ ፑርሞሓማዲ፡ ከምኡውን ወሃብ ቃል ቤት ምኽሪታ ሃገር መሓመድ ጋሊባፍ ፕረዚደን ኢራን ንምዃን ክወዳደሩ እዮም።
ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ኣሕመዲን ነጃድ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ተመዝጊቡ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ መስርሕ ምጽፋፍ ስለዝተገለፈ ንሕጹይ ፕረዚደንትነት ከይተመርጸ ተሪፉ ኣሎ።
ጎስጓስ ምክያድ፡ ብሰንበት 09 ሰነ ብወግዒ ከምእተጀመረን፡ ቴለቪዥንታ ሃገር ምርጫ 24 ሰዓታት ጥራይ ክሳብ ዝተርፎ ናይ ክትዕ ፈነወ ከምዝጀመረት እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።