ኣብ ሶማል ኣብ መንጎ እንዳታት ብዝተፈጥረ ግጭት 55 ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ሶማል ብቐዳም 08 ሰነ ኣብ መንጎ ክልተ ማይ ቤታት ብዝተፈጥረ ግጭት 55 ሰባት ከምእተቐትሉን 155 ካልኦት ከምዝቖሰሉን፡ ንተቐማጦን ሓካይምን ናይቲ ከባቢ ብምጥቃስ ጋሮወ ኦንላይን ሓቢሩ።
እዚ ኣብ መንጎ ዲርን ማሪሓንን ዝተባህሉ ክልተ ቀቢላታት ኣብ ዓብዱዋቕን ሔራለን ዝተባህላ ከተማታት ዝተኸስተ ግጭት፡ መንቀሊኡ ናይ መግሃጫ መሬትን ምንጪ ማያትን ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣቐዲሞም ክልቲኦም ቀቢላታት ብሓደ ተሰሊፎም፡ ንኣልሸባብ ካብ ዞባ ጋልሙዱግ ጸራሪጎም ከምዘውጽእዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ናይ ሕጂ ኣዕናዊ ግጭት ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ምንባሩ እቲ ምንጪ ኣገንዚቡ።
“ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ሓይልታት መንግስቲ ደንጕዮም እዮም መጺኦም፣ ካብ ክልቲኦም እንዳታት ብዙሕ ሰብ ሃሊቑ። ኣቐዲምካ ደው ምባሉ ቀሊል ነይሩ፣ ግን ኣይተገብረን” ይብል ኣብ ሔራለ ዝምቕማጡ መራሕ ቀቢላ ፋራሕ ኑር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል።
እቲ ውግእ፡ ፌደራላዊ ሰራዊት ሶማል ምስመጸኳ ደው እንተበለ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሃውሁውን ስነ-ኣእምሮን ግን፡ ርጉእ ከምዘይኮነ እዮም ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ዝገልጹ።
“ውግእ ደው ኢሉ ኣሎ፣ እቲ ኵነተ-ኣእምሮ ግን ጽቡቕ የለን። ቀዋምን ናይ ሓዋሩን ምቁራጽ ተዅሲ ክግበር ኣለዎ” ትብል ሓንቲ ካብ ኣዴታት ናይቲ ከባቢ ሳዕድያ ሑሴን።