ኣብ ኣላማጣ ከቢድ ውጥረት ሰፊኑ ከምዘሎ ተሓቢሩ
ኣብ ኣላማጣ ናይ ህ.ወ.ሓ.ት. ምዃኖም ብዝተገልጹ ዕጡቓት ሓደ ናይ ኤለክትሪክ ሰራሕተኛ ድሕሪ
ምቕታሉ፡ ተቐማጦ ናይቲ ከባቢ፡ ዕጡቓት ህ.ወ.ሓ.ት. ክወጹ ብምጥላብ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ
ኣካዪዶም።
እቲ ሰልፊ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓደ ካልእ ሰብ ከምዝተቐትለን ሓያለ ካልኦት ከምዝቖሰሉን
ዝሓበረ ኣዲስ ስታንዳርድ፡ ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ውጥረት ሰፊኑ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።
ኣቐዲሙ፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ህ.ወ.ሓ.ት. ንስምምዕ ሰላም ኣኽቢሩ ብሓይሊ ካብ ዝሓዞም
ከባቢታት ክወጽእ ከምዝጸውዐ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ድማ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል
ትግራይ ካብ ቀንዲ ነቑጣታት ሓይልታቱ ከምዝሓበ ሓቢሩ ነይሩ። ይኹን’ምበር፡ ሕጂ’ውን እቲ
ኩነታት ኣዝዩ ተሃያሲ ከምዘሎ እዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ንባዕሉ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ብኦነግ ሸኔ ዝፍለጥ ዕጡቕ
ሓይሊ፡ ኣብ ሰሜን ሸዋ ዋጫሌ ካብ ዝተባህለ ወረዳ 29 ሰባት ጨውዩ ከምዝወሰደ ራድዮ ዋዜማ
ሓቢራ።
እቶም ዝተጨውዩ ሰባት ብዝተፈላለያ ተሽከርከርቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሱ ክኾኑ እንከለዉ፡
እቶም ዕጡቓት ንዓኣቶም ድሕሪ ምውሳድ ነተን መካይን ገዲፎምወን ከምዝኸዱ እታ ራድዮ
ኣመልኪታ።