ምክትል ፕረዚደንት ማላዊ ብሓደጋ ነፋሪት ሞይቱ
ምክትል ፕረዚደንት ማላዊ ሳውሎስ ቺልማ ብሓደጋ ነፋሪት ከምዝሞተ ቢቢሲ ሓቢሩ።
ሳውሎስ ቺልማ ብሰኑይ 09 ሰነ ዓስራይ ርእሱ ኣብ ውሽጢ ሃገር እናበረረ እንከለዉ እታ ነፋሪት ካብ
ራዳራት መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ምስዋራ፡ ሰራዊት ማላዊ ኣብ ጫካታት ችካንጋዋ ጽዑቕ ናይ ምድላይ
ስርሒት ከካይድ ምቕናዩ ዝጠቐሰ እቲ ምንጪ፡ ሎሚ ስብርባር ኣሰር ናይታ ነፋሪት ከምእተረኽብ፡
ብህይወት ዝተረፈ ሰብ ግን ከምዘየለ ኣፍሊጡ።
ነቲ ዘሕዝን ፍጻመ ሎሚ ብጋዜጣዊ መግለጺ ዘርድአ ፕረዚደንት ማላዊ ላዛሩስ ቻክዌራ፡ እቲ ናይ
ምድላይ ስርሒት ከምእተዛዘመን እታ ነፋሪት ተሓምሺሻ ከምእተረኽበትን ኣዛዚ ሓይሊ
ምክልኻል’ታ ሃገር ከምዝሓበሮ ገሊጹ። “ንማላዊያውያን ነዚ ዘሕዝን ዜና ከርድኦም ከለኹ ዓሚቝ
ሓዘን ይስምዓኒ” ድማ ኢሉ።
ወዲ 51 ዓመት ሳውሎስ ቺልማ፡ ንመንግስቲ ወኪሉ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይቲ ቅድሚ ኣርባዕተ
መዓልታት ዝሞተ ሚኒስተር ነበር ራልፍ ካሳምባራ ንምስታፍ ካብ ርእሰ-ከተማ ሊሎንግወ ኣብ ሰሜን
ማላዊ ናብ እትርከብ ከተማ ምዙዙ ብወተሃደራዊት ነፋሪት እናበረረ እንከሎ እዩ እቲ ሓደጋ
ኣጋጢሙ። እታ ነፋሪት፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ትበርር ምንባራ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ምክትል ፕረዚደንት ሳውሎስ ቺልማን ፕረዚደንት ላዛሩስ ቻክዌራን ካብ ዝተፈላለያ ሰልፍታት
ዝተወከሉ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ተላፊኖም ኪዳን ከምዘቖሙ ይፍለጥ።