ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንዉጥን ምቁራጽ ቶኽሲ እስራኤልን ቃዛን ድጋፉ ገሊጹ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደዉ ንምባል ዝዓለመ ዉጥን ኣሜሪካ ከም ዝድግፍ ብድምጺ ኣረጋጊጹ።
እቲ እማመ “ምሉእ ንምሉእ ቶኽሲ ደዉ ምባል”፡ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ምሩኻት ንምፍታሕ፡ሬሳታት ናይ ዝሞቱ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ምምላስን፡ምምለስ እሱራት ፍልስጤማውያን ቅድመ ኩነት ዘቐምጥ እዩ። ካብ’ተን 15 ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፡ እተን 14 ነቲ ብኣሜሪካ ዝተነድፈ ዉሳነ ደጊፈን ድምጺ ክህባ ከለዋዋ ሩስያ ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጢባ። እቲ ዝቐረበ ዉሳነ እስራኤል፡ ነቲ እማመ ቶኽሲ ደው ምባል ከም ዝተቐበለቶ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ጉጅለ ሓማስ’ዉን ክቕበሎ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል እዩ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ-ባይደን፡ብ31 ግንቦት 2024፡ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡እቲ እማመ ተኲሲ ደዉ ምባል እስራኤል ኢሉ ዝገለጾ፡ ሰለስተ ክፋል ዘለዎ ዉጥን፡ባይቶ ጸጥታን ብርክት ዝበላ ሃገራት ጉጅለ (G7) ዝሃብተማ ሃገራትን ከም ዝድግፍኦ ተፈሊጡ።
ብመንጎኝነት ቀጠርን ግብጽን ቀሪቡ ዝነበረ ዉጥን ደዉ ምባል ቶኽሲ እስራኤልን ቃዛን፡ ንህዝቢ ዕላዊ’ኳ እንተዘይተገበረ ነዊሕ ትሕዝቶ ከም ዝነበሮን፡እቲ ብ ጆ-ባይደን ዝቐረበ ድማ ሓጺር እማመ ምዃኑ ተገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ-ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኔታንያሁን መራሕቲ ወጻኢ ሃገራትን ዘካየዶ ርክባት ድሕሪ ቁሩብ ግዜ እዩ እቲ ዉሳነ ጸዲቑ ዘሎ። ብተወሳኺ ብሊንከን ንመራሕቲ እቲ ዞባ ኣብ ዝሃቦ መልእኽቲ፡ተኹሲ ደዉ ክብል ተደሊኩም ንጉጅለ ሓማስ ደዉ ከብል ክትእምንዎ ኣለኩም ክብል ጻዉዒት ኣቅሪቡ።
ጉጅለ ሓማስ ኣቀድም ኣቢሉ፡ገለ ክፋል ናይቲ ዉጥን ከም ዝድግፍ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ዶሃ ዝርከብ ፖለቲካዊ መሪሕነት እቲ ጉጅለ ስጋብ ሕጅ ብወግዒ መልሲ ከም ዘይሃበሉ ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካን እስራኤልን ገሊጾም።
እቲ ዉሳነ፡ፕረዚደንት ኣሜሪካ ባይደን እስራኤላዉያን፡ነቲ ዉጥን ከም ዝተሰማምዑ ድሕሪ ምግላጹ 10 መዓልታት’ዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ቻይና፡ ደጋፊ ድምጺ እኳ እንተሃበት ብዛዕባ እቲ እማመ ብጽሑፍ ስክፍትኣ ገሊጻ። ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ቫሲሊ-ነበነዚያ፡ንጹርነት ናይቲ ስምምዕ ንእስራኤል፡ነቲ ኣብ ቓዛ እትገብሮ ዝነበረት ወተሃደራዊ ስርሒት ንምቁራጽ፡ነቲ ዉጥን ብሓቂ ተቀቢላቶ ዲያ ብምባል ስግኣት ከም ዘለዋ ድምጺ ከም ዘይሃበት ገሊጻ። እቲ ግጭት ዝጀመረ ጉጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023፥ኣብ ደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ኣስታት 1,200 ሰባት ክቅተሉ ከለዉ ኣስታት 251 ሰባት ጅሆ ብምሓዝ ምስ ወሰደን እዩ።
እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ምላሽ ካብ እትህብ ንደሓር ኣስታት ሸሞንተ ወርሒ ዝቀጸለ ኮይኑ ቁጽሪ ሙውታት ኣብ ቓዛ ልዕሊ 37 ሽሕ ከም ዝሓለፈ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር። ብ 25 መጋቢት 2024 ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተኹሲ ደዉ ንክብል ዝጽዉዕ ዉሳነ ኣጽዱቑ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ።