መንግስቲ ኡጋንዳ ዝሓለፈ ሰንበት ንልዕሊ 100 ዓመታት ኣብ ቤተ-መዘክር ስነ-ሰብ ካምብሪጅ ዩኒቨርሲቲ ተዓቚቡ ዝጸንሐ ብጥበብ ዝተሰርሐ ታሪኻዊ ቅርስታት ከም ዝተረከበ ማዕከን ዜና ዘ- ኢንዲፐንደንት ሓቢሩ።
እቶም ቅርስታት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኡጋንዳ ዝተወስዱ ኰይኖም፡ እቲ ኣብ 1920 ናብ ካምብሪጅ ዝተወስደ ናይ ንግስነት ቡንዮሮ ከበሮ ሓደ ካብቶም ዝተመልሱ ቅርስታት እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ዘ-ኢንዲፐንደንት፣ እቶም 39 ቅርስታት ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኡጋንዳ ብእንግሊዛውያን ገዛእቲ፡ ብክኢላታት ስነ-ሰብ፡ ብሚስዮናውያን ከምኡ’ውን ብወተሃደራት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ መጀመርታ 1890 ዓም ዝተወስዱ ምኻኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ይኹን እምበር መብዛሕትኦም እቶም ቅርስታት፡ ኣብ መጀመርታ ዕስራ ክፍለ ዘመን በቲ ምስ ካምብሪጅ ዩኒቨርሲቲ ቅርበት ዝነበሮ ህቡብ ሚስዮናውን ምሁር ዓውዲ ስነ-ሰብን ዝነበረ ጆን ሮስኮ ዝተወስዱ ምዃኖም፡ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ጊዜዚ ኣብ ምምላስ እቶም ቅርስታት ዓብዪ ኣስተዋጽኦ ዝገበሩ ፕሮፌሰር ደሪክ ፔተርሰን ገሊጹ።
ናይ ታሪኽ ምሁር ዝኾነ ፕሮፌሰር ደሪክ ፔተርሰን ሓደ ካብቶም ኣብዚ ጊዜዚ ንዕብየት ቤተ-መዝክር ኡጋንዳ ዝሰርሑ ዘለው ኢንግሊዛውያን ኮይኑ፣ እዞም ተመሊሶም ዘለው 39 ታሪኻውያን ቅርስታት ብዛዕባ ኡጋንዳ ዝነግርዎ ብዙሕ ታሪኽ ከም ዘለዎም ብምሕባር፣ ብፍላይ ነቶም ካብ መቓብራት ቡጋንዳ ዝተወስዱ ማሪታዊ ልምምዳት ዝካየደሎም ዝነበረ ቅርስታት ናብ ቦትኦም ንምምላስ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዝርርብ ይግበር ከም ዘሎ ሓቢሩ።