ኣብ ኣልፋሻር ርእሰ ከተማ ሰሜን ዳርፉር ተደኲኑ ኣገልግሎት ሕክምና ክህብ ዝጸንሐ እንኮ ሆስፒታል፡ ብሓይልታት ወሃብ ፈጣን ደገፍ ድሕሪ ዝወረዶ መጥቃዕቲ መጥቃዕቲ ኣገልግሎቱ ደው ከብል ከም ዝተገደደ ሜዲስንስ ሳን ፍሮንቲር ዝተባህለ ትካል ሓቢሩ።
ዝተፈላልዩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝሓበርዎ፣ ሓይልታት RSF ነቲ ሆስፒታል ድሕሪ ምውራሮም ኣብ ውሽጢ’ቲ ሕክምና ቶኽሲ ከም ዝኸፈቱን መድሃኒታትን ንብረት ናይቲ ሕክምና ዝኾና ኣምቡላንሳትን ክዘምቱ ከም ዝተራእዩን ተገሊጹ።
ሓይልታት ወሃብ ፈጣን ደገፍ ንገለ ከባቢታት ኣልፋሻር ወሪሮም ምስ ሓዙ ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶምን ንብረቶምን ኣባይቶምን ፈጺሙ ከም ዝዓነወን ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ኣተኲሩ ሓበሬታ ዝዝርግሕ ኤውሮጳዊ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ ዜናዊ ጸብጻብ ገሊጹ።
ሓይልታት RSF ካብ ዝሓለፈ መጋቢት 31 ጀሚሮም፣ ኣብ ከባቢ ኣልፋሻር ንዝነብሩ ዝተፈላለዩ ማሕበረ-ሰባትን ዓድታትን ሓዊ እናረኵዑ ከቃጽሉ ከም ዝጸንሑ HRL ዝተባህለ ትምህርታዊ ትካል ንናይ ሳተላይት ስእሊ ምርኩስ ብምግባር ሓቢሩ።
ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት RSF፡ ነታ ርእሰ-ከተማ ሰሜን ዳርፉር ዝኾነት ሰሜን ዳርፉር ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽ ጽሮም ምስ ዘእትውዋ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ህልቂትን ገበናት ምጽናት ዓሌት ክፍጸም ልዑል ተኽእሎታት ከም ዘሎ እቲ HRL ዝተባህለ ትምህርታዊ ትካል ኣጠንቂቑ።