ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ከባቢ ኣርባ ምንጭ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ብቐዳም 08 ሰነ ሓሙሽተ
ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ሬድዮ ዶቸቬለ ጸብጺባ።
እቶም ሰባት በዓል ሓድሽ ዓመት ብሄረ ዘይሴ ንምኽባር ኣብ ዝተኣከብሉ እዋን፡ ብሃንደበት ኣብቲ ቦታ
ዝተረኽቡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተዅሲ ከፊቶም ከምዝቐተልዎም እታ ሬድዮ ንመሰኻኽር
ዓይኒ ብምጥቃስ ኣቃሊሓ።
ብሄረ ዘይሴ ንዓመታት ናቶም ፍሉይ ምምሕዳራዊ ወረዳ ክህልዎም ብደብዳበን ብሰላማዊ ሰልፍን
ክሓቱ ዝነበሩ ምዃኖም፡ እንተኾነ፡ ናይ ክልል ይኹን ናይ ፌደራል መንግስታት ንሕቶኦም መልሲ
ክህብዎም ከምዘይከኣሉ እቲ ጸብጻብ ኣረዲኡ።
እዚ ናይ ሕጂ ቅትለት፡ ቀጥታዊ መንቀሊኡ ኣይተነጸረን። መንግስቲ እውን ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ዛጊት
ዝበሎ ዝኾነ ይኹን ነገር የለን።