ኣብ ዒራቕ ኣብ መጻረዪ ነዳዲ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡10 ሰባት ከም ዝቆሰሉ ተሓቢሩ።
ኣብ ዒራቕ ኣብ ከባቢ ኩርዲስታን፡ኣብ ልዕሊ ሓደ መጻረዪ ነዳዲ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡10 ሰባት ከም ዝቆሰሉ ካብታ ሃገር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
እቲ ኣብ ዞባ ኲርዲስታን ትማሊ ሮቡዕ 11 ሰነ 2024፥ ምሸት ምድሪ ኣብ ሓደ መጻረዪ ነዳዲ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ብሓሙስ ድማ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ እትርከብ ከተማ ኣርቢል ርእሰ
ምምሕዳር ኲርዲስታን ብምልሓሙ፡ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ፡ነቲ ባርዕ ብምቁጽጻር ብርቱዕ ተጋድሎ ከም ዝገበሩ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ዒራቕ ኣብ ሓጺር ጊዜ ተደጋጋሚ ኣብ ትካላት መጻረዪ ነዳዲ ባርዕ ሓዊ የጋጥማ ከም ዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።
ኢራቕ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከባ ሃገራት ፍሉጣት ኣፍረይቲ ነዳዲ ሓንቲ እያ።
90% ካብ ሃገራዊ ባጀታ ትስልዖ ካብ እቶት ነዳዲ ዝርከብ ምኳኑ ጸብጻባት ወሲዀም የመልክቱ።