ኤርትራ፡ ጽልዋ ምዕራባዊ ደምበ ንምውዳን፡ ንጡፍ ህላወ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ከምእተደሊ
ኣምባሳደር’ታ ሃገር ኣብ ኤርትራ ኢጎር ሞዝጎ ገሊጹ።
ኣምባሳደር ሞዝጎ፡ ታስ ምስ ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ሩስያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ መሪሕነት
ኤርትራ፡ ሩስያ ኣብ ምውሓስ ጸጥታን ምዕቃብ ሰላምን ኣህጉር ኣፍሪቃ ብንጥፈት ክትሕወስን ነቲ
ቀደም ሕብረት ሶቭየት ዝነበራ ተራን ጽልዋን ክትመልሶን ከምዝጸውዐ ሓቢሩ።
ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣገዳሲ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ከምዘለዋ፡ ስለዚ ከኣ፡ ኣብዚ ባሕሪ’ዚን
ከባቢኡን ዝህልዉ ጸጥታዊ ጉዳያት ኣብ ፖሊሲ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ኣገዳሲ ቦታ ከምዘለዎም
ዘመልከተ እቲ ሩስያዊ ኣምባሳደር፡ “ኣስመራ፡ ኣንጻር የመንን ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብዓቢኡን ብምዕራብ
ንዝውሰድ በይናዊ ስጉምቲ ብትሪ እያ ትነጽጎን ትቃወሞን” ኢሉ። መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣብ
ቀይሕ ባሕሪ ንዝገብርኦ ምብጻሕ ሓንጎፋይ ኢላ ከምእትቕበሎን ቀጻሊ ህላወ ጭፍራ መራኽብ’ታ
ሃገር ክረጋገጽ ከምእትምጉትን ድማ ኣነጺሩ።
ኣምባሳደር ኢጎር ሞዝጎ፡ “ብርግጽ፡ ነቲ ኣብ ሓምለ 2022 ኣብ መንጎ ኤርትራን ሩስያን ዝተፈረመ
ስምምዕ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ማያዊ ሰረተ-እምነት ፕረዚደንት ፑቲን ኣዝዩ ዘተስፉ ክኸውን ይኽእል
እዩ፣ ግን፡ ኩሉ ነገር ኣብቲ ብወገን ኤርትራ ዝህሉ ናይ ዘተ መርገጺ እዩ ዝምርኮስ” ድሕሪ ምባል፡
ኤርትራ ምስ ምብራቓዊ ደምበ እምበር ምስ ምዕራባዊ ደምበ ናብ ጽምዶ ከምዘይትደፍእ ኣረዲኡ።
ኣብ ርእሲ’ቲ ዞባዊ ኣጀንዳ፡ ኣብ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ዘለዋ ቀዳምነት’ውን ምስ ቻይና፡ ሩስያ፡
ህንድን ስዑዲ ዓረብን ዝምድናታት ምምዕባል ምዃኑ ድማ ኣስሚሩ።