ኣብ ኩወይት ሎሚ 12 ሰነ ኣብ ሓደ ሰራሕተኛታት ዝነብርሉ ህንጻ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ብውሑዱ
41 ወጻእተኛታት ከምዝሞቱን ዓሰርተታት ካልኦት ከምዝቖሰሉን ንሰበ-ስልጣን’ታ ሃገር ብምጥቃስ
ኣልጀዚራ ሓቢሩ።
እዚ ኣብታ ወጻእተኛታት ናይ ጉልበት ሰራሕተኛታት ብብዝሒ ዝነብሩላ ዞባ ደቡባዊ ማንጋፍ ኣብ
ዝርከብ ህንጻ ዝተባርዐ ሓዊ፡ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ከምዝወዓለን ጠንቁ ይምርመር ከምዘሎን
ሚኒስትሪ ጥዕና’ታ ሃገር ኣፍሊጡ። በቲ ዝተኻየደ ህይወት ናይ ምድሓንን ነቲ ባርዕ ናይ ምቁጽጻርን
ርብርብ ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ክተርፍ ከምዝኸኣለ ድማ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ናብቲ ቦታ ሓደጋ ምብጻሕ ዝፈጸመ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኩወይት ሸኽ ፋሃድ ኣልዩሱፍ
ኣልሰባሕ፡ ዋና ናይቲ ህንጻ ክእሰር ኣዚዙ ኣሎ። “ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ናብ ከምዚ ዓይነት ሓደጋታት
ዝወስደና ዘሎ፡ ስስዐ ወነንቲ ህንጻታት እዩ” ድማ ኢሉ።
ዜግነት ወይ መበቆል ናይቶም ግዳያት ዛጊት ኣይተገልጸን።