ካብ ሩስያ ዝተላእከ ኣጽዋር ኣብ ወደባዊት ከተማ ፖርትሱዳን ከምዝኣተወ፡ ንላዕለዋይ ወተሃደራዊ
ምንጪ ብምጥቃስ ዳርፎር24 ሓቢሩ።
እቲ ኣጽዋር፡ ሱኾይ ዝዓይነተን ነፈርቲ ዝዓጥቅኦ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት
ድማ እተን ነፈርቲ ንባዕለን ብመርከብ ፖርትሱዳን ክኣትዋ ትጽቢት ከምዘሎ እቲ ምንጪ ገሊጹ።
ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ሩስያ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ሱዳን ንዝገበሮ ምብጻሕ ስዒቡ፡ ምክትል
ፕረዚደንት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ማሊክ ኣጋር ኣብ ሩስያ ንመዓልታት ዝተናውሐ ዑደት ድሕሪ
ምክያድ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ምምላሱ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ክልቲኡ ርክባት
ንወተሃደራዊ ስምምዓት ብዝምልከት ኣብ ምሉእ ምርድዳእ ከምዝበጽሑ እዩ ዳርፎር24 ዘረድእ።
ሱኾይ ተባሂለን ዝፍለጣ ነፈርቲ ውግእ፡ በበይኑ ዝዓይነቱ ተተኳሲ ዝዓጥቃ ኣብ ርእሲ ምዃነን፡ ዒላማ
ብምጭማትን ካብ ርሕቀት ብምድብዳብን ኣዝየን ፍሉጣት እየን።
ሰበስልጣን ሱዳን ከምዝገልጽዎ፡ ሩስያ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሱዳን ወተሃደራዊ መደበር ከተቕውም
ትደሊ እያ። ምክትል ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ያሲር ኣልዓጣ፡ “ሱዳን ንሩስያ ወተሃደራዊ መደበር
እንተሃበታ ዘጨንቕ ጉዳይ ኣይኮነን” ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ሰራዊት ሱዳን፡ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ኣጽዋር ንምርካብ ኣዝዩ ክሽገር ከምዝጸንሐን
ዝርካቡ’ቲ ክሽምቶ ዝጸንሐ ብመንገዲ ደላሎ ዝርከብ ምንባሩን እቲ ምንጪ ኣሚቱ።