FILE PHOTO: Pope Francis attends the weekly general audience at Saint Peter's Square at the Vatican, June 12, 2024. REUTERS/Ciro De Luca/File Photo

ሃይማኖታዊ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ፖፕ ፍራንሲስ ምስ ካብ ብዘላ ዓለም ዝተኣኻኸቡ ኮሜድያንን ስነ-ጥበበኛታትን ኣኼባ ኣካይዱ
እቲ ዋዛ ከም ዘዘውትር ዝንገረሉ ወዲ 87 ዓመት ፖፕ ፍራንሲስ ምስ ካብ ልዕሊ 15 ሃገራት ዝመጽኡ ኣስታት 200 ዝኾኑ ስሙያት
ኮሜድያን ዓለምና ኣኼባ ከም ዘካየደ መደበር ዜና CNN ሓቢሩ።
ዉፒ ጎልድበርግ፣ ጂሚ ፌለን፣ ክሪስ ሮክ፣ ስቴፈን ኮልበርት፣ ቾናን ኦ-ብርያን፣ ገለ ካብቶም ኣብቲ ፖፕ ፍራንሲስ ኣብ ከተማ ሮማ
ዝጸውዖ ኣኼባ ዝተሳተፉ ስሙያት ኮሜድያን ዓለምና እዮም።
ፖፕ ፍራንሲስ ምስ ዝቐርብዎ ሰባት ዳእላ ከም ዘዘውትርን ቅርብ ንዝበልዎ ሰባት ስለይ ጸሊ ኣንጻረይ ኣይትጸሊ እናበሉ ከም ዝቕልዱ
ቀረብቶም ይሕብሩ። ፖፕ ፍራንሲስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ዳእላ ሞራልካ ክብ ከም ዘብልን ህይወት ሓጻር ምዃና ብምዝኽኻር ጾርካ
ናብ መንፈስ ኣምላኽ ክትድርቢ ዝገብር ናይ ሰብ ባህርያዊ ብልጫ ኮይኑ ንጸጋ ኣምላኽ ቀረባ ነገር እዩ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ፖፕ ፍራንሲስ ነቲ ኣብዚ እዋን ማዕቢሉ ዘሎ ዓውለማዊ ባህሊ ብምምልካት፡ ዳእላ ወይ ኮሜድያዊ ንጥፈታት፣ ድንጋጽን
ምትሕግጋዝን ዝመልኣ ዓለም ንኽትህልወና ልዑል ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል ናይ ስነ-ጥበብ ክፍሊ ምዃኑ ብምእማን እዩ ነቲ
ኣኼባ ዝመርሖ ዘሎ።
ፖፕ ፍራንሲስ ኣብ ልዕሊ ግብረ-ሰዶማውያን ማሕበረ-ሰብ ከርእዮ ዝጸንሐ ምልስላስን ንጻረ ዝጎደሎም መግለጺታትን ኣደዳ ብርቱዕ
ነቐፌታ ከም ዝገበሮ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ምስቶም መብዛሕትኦም ደገፍቲ ዝምድና ሓደ-ዓይነት ጾታ ዝኾኑ ስሙያት
ኮሜድያን ዓለምና ዘካይድዎ ዘለው ኣኼባ ንጉዳይ ተዛመድቲ ሓደ-ዓይነት ጾታ ከይጠቐሰ ከም ዘይሓልፍ ዝተፈላለዩ ምንጭታት
ይሕብሩ።