ድሕሪ’ቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሕዝቡላህ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ መራሒ ናይቲ ውድብን
ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍትን ኣብ ከቢድ ስግኣት ከም ዝተሸመሙ ተሓቢሩ።
ዝሓለፈ ሮቡዕ ሕዝቡላህ ኣስታት 250 ሮኬታት ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እስራኤል እትርከብ ከተማ ጢበርያስ ከም
ዝተኮሰን ኣብታ ከተማ ብምኽንያት ሃይማኖታዊ በዓል ሰፊኑ ዝነበረ ህድኣት ከም ዝተዘርገን ዝዝከር ኰይኑ፣ እቲ
ሓይልታት ሕዝቡላህ ዝተኮስዎ ሮኬታት ኣብ ቃልዕ ቦታ ወዲቑ ሓያል ባርዕ ድሕሪ ምፍጣሩ ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ዓመት
ጥቅምቲ ንመጀመርታ ጊዜ እቲ ብሳይረን ዝፍለጥ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ከም ዝተወልዐ ኣብ ግዚኡ ብመልክዕ ዜና
ተዘርጊሑ እዩ።
እቲ ሓይልታት ሕዝቡላህ ዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ድሕሪ እቲ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ንሓደ ናይ ብርጋደር ጀነራል
መዓርግ ዘለዎ ሳሚ ጣሌብ ዓብዱላህ ዝተባህለ ወተሃደራዊ ሓላፊ ሓይልታት ሕዝቡላሕ ምቕታሎም እዩ ተፈጺሙ።
ብመሰረት ጸብጻብ ዮርሳሌም ፖስት፣ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዓብዱላህ ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት፣ ናብቲ ኣብ ከባቢ
ኣኽራናት ጎላን ዝርከብ ቂርያት ሽሞና ክፍኖ ዝጸንሐ ናይ ሮኬት መጥቃዕትታት ብሓላፍነት ክመርሕ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ
በዓል ስልጣን ሓይልታት ሕዝቡላህ ኰይኑ፣ እስራኤል ካብ ዝቐተለቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕዝቡላህ እቲ ዝለዓለ መዓርግ
ዘለዎ ከም ዝኾነ እዩ ዝሕበር።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፣ ኣብ ቅፋር ብሉም ዝተባህለ ቦታ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ ድሕሪ ዘካየድዎ ቅልጡፍ
ስለያዊ ስርሓት ነቲ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሕዝቡላህ ብደብዳብ ነፋሪት ከም ዝቐተልዎን፣ ነቲ ስርሒት ናይ
እስራኤል ሰሜናዊ እዚ ምስ ሓይልታት ጸጥታን ሓይሊ ኣየርን ብምትሕብባር ከም ዝፈጸምዎ እዩ ተሓቢሩ።
እቲ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሕዝቡላህ ዝፈጸምዎ ዒላምኡ ዝወቕዐ መጥቃዕቲ፣
ኣባላትን ላዕለዎት ሓለፍትን ሓይልታት ሕዝቡላህ ኣብ ከቢድ ፍርሕን ምሽቝራርን ከም ዝተሸመሙን፣ ካብቲ ንሕና
ንፈልጦም ንላዕሊ ብዛዕባና ኣጸቢቖም ከም ዝፈልጡ ተረዲእና ክሳብ ምባል ከም ዝበጽሑን ሓደ ኣምታዝያ ባራም
ዝተባህለ ፕሮፌሰር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። ንሱ ወሲኹ፣ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል፣ ንናይ ሕዝቡላህ
መርበበባትን ሲስተምን ብምስባር፣ ነቲ ክቕንጸል ዝደለይዎ ሰብ ፈልዮም ምውቅዖም መራሒ ሕዝቡላህ ከይተረፈ
ኣብ ከቢድ ራዕዲ ተሸሚሙ ከም ዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታ ዘርጊሑ።
ድሕሪ እቲ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓይልታት ሕዝቡላህ ዝፈጸመዎ ዕውት
መጥቃዕቲ፣ መራሒ ናይቲ እስላማዊ ውድብ ዝኾነ ሓሰን ነስረላህ እስራኤል እንተደልያ ኣብ ዝደለየቶ ሰዓት ክትቅንጽሎ
ከም ትኽእል ከም ዝፈለጠን፣ እንተደኣ ሕዝቡላህ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኲናት ኣውጁ ቀጺሉ ናይ ቅትለት መጥቃዕቲ
ዝወርዶ ንሱ ምዃኑ ከም ዝፈልጥን ፕሮፌሰር ኣምታዝያ ባራም ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ።