ሲሪል ራማፎሳ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኰይኑ ተመሪጹ።

ሲሪል ራማፎሳ ምስ ፖለቲካዊ ተናሓነሕቲ ዉድባት፡ኣብ ዝገብሮ ናይ መወዳእታ ደቃይቕ ስምምዕ ድሕሪ ምፍጻሙ ንመበል ካልኣይ ግዜ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ ተመሪጹ።

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝቐጸለ ቃልሲ ኣንጻር ኣፓርታይድ ድሕሪ ምክያዱ፥ኣብ ዓመተ 1994 ናብ ስልጣን ዝመጸ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፥ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ንፈለማ እዋን ኣብዝሓ ድምጺ ምስኣኑ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ ሰልፊ፡ምስተን ኣብቲ ምርጫ ድምጺ ህዝቢ ዝረኸባ ውድባት ኣብ ጽዑቕ ዝርርብ ድሕሪ መጋረጃ ተዓጽዩ ንክልተ ሰሙን ከም ዘሕለፈ ጸብጻባት የረድኡ።

ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ድሕሪ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ደቡብ ኣፍሪቃ ሃገራዊ ኮንግረስን (ኤኤንሲ) ምስ ካልኦት ተቓወምቲ ዉድባት ብምዃን ሃገራዊ ሓድነት ዘለዎ መንግስቲ ንምቛም ዝገበሩዎ ስምምዕ፡ስሪል ራማፎሳ ፕረዚደንት እታ ሃገር ገይሩ መሪጽዎ ኣሎ።

ሰልፊ ኤኤንሲ ትማሊ ምስ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን (ዲኤ) ምስ ካልኦት ክልተ ንኣሽቱ ተቓወምቲ ውድባትን ብምዃን ሓበራዊ መንግስቲ ንምምስራት ከም ዝተሰማምዐ ዝፍለጥ’ዩ።