ባይደን፡ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣንፈቱ ስሒቱ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንካልኣይ ግዜ ኣብ ዓዲ ኢጣልያ መንገዱ ስሒቱ።
ወዲ 81 ዓመት ዝኰነ መራሒ ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ዋዕላ ጉጅለ 7 ኣባላት ሃገራት ቅድሚ ምጅማሩ፡ምርኢት ፓራሹት ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ብኣንጻር ኣንፈት ካልኦት መራሕቲ ክጽበ ተራእዩ።
ቀዳማይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ ድማ ንባይደን ካብቲ ዝኸዶ ቦታ ንድሕሪት ክትመልሶ ተራእያ።
ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ይኹን ኣኼባታት ካብ ምዕቃፍ፣ብተደጋጋሚ ምውዳቕን ኣብ ጉዕዞ ድማ ናብ ምጥፋእ ኣንፈት ዝኸደ ባይደን፡ መሳሕቒ ሪፓብሊካን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።