ኣመሪካ፡ ንሱዳን 315 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተመባጺዓ
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ሱዳን ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል 315 ሚልዮን ዶላር ተወሳኺ
ሓገዝ ክትገብር ምዃና ከምዝኣወጀት፡ ማዕከን ዜና ኦል ኣፍሪካ ሓቢሩ።
ኣማሓዳሪት ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ዩኤስኤይድ) ሳማንታ ፓወር
ነቲ ሓገዝ ንምእዋጅ ኣብ ዝጸዋዓቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ “ቅልውላው ሱዳን፡ ኣብ ዓለምና እቲ ዝዓበየ
ሰብኣዊ ቅልውላው እዩ” ክትብል ገሊጻቶ።
ሳማንታ ኣስዒባ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ነቲ ኣብ ሶማል ኣብ 2011 ብደርቂ ዝተበገሰን 25 ሽሕ ሰባት
ዝቐዘፈን ዓጸቦ ክዳረጎ ወይ’ውን ካብኡ ክገድድ ከምዝኽእል ስክፍትኣ ገሊጻ። ሰራዊት ሱዳንን
ሓይልታት ፈጣን ደገፍን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ተጸበይቲ ከይበጽሕ ብንጥፈት ይዓግትዎ ከምዘለዉ
ብምውቃስ ድማ፡ “ኣብ መኽዘን ዘሎ እኽሊ ስለዝወሓደ ኣይኮነን፣ መሕለፊ እዩ ተሳኢኑ። እዚ ከኣ
ክቕየር ኣለዎ” ኢላ።
እቲ ኣብ መንጎ ክልተ ተጻረርቲ ጀነራላት ን14 ኣዋርሕ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ ን25 ሚልዮን
ሱዳናውያን ተጸበይቲ ረዲኤት ገይርዎም ይርከብ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ሓሙሽተ ሚልዮን ሱዳናውያን ኣብ ገምገም ዓጸቦ ከምዘለዉ የጠንቅቕ።