ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ዓፋርን ሶማልያን ሓድሽ ግጭት ከም ዝተልዓልዓለ ተሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ዓፋርን ሶማልያን ሓድሽ ግጭት ከም ዝተልዓልዓለ ተጣባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ኣዲስ ስታንዳርድ ዝዘርግሖ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ መንጎ ዓሌታት ዓፋርን ሶማልያን ንነዊሕ ዓመታት ግጭትታት ክለዓል ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ኣብ መንጎ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ዘሎ ግጭት ፡ ነዊሕ ዘቑጸረ ታሪኻዊ መበገሲ ኣለዎ ፣ እዚ ከኣ ፡ ኣብ ባህርያዊ ሃብትን ኣብ ግዝኣታዊ ዋንነትን ዘሎ ውድድር እዩ ። ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ፌደራላዊ እስላማዊ ጕዳያት
ነዚ ነዊሕ ሱር ዝሰደደ ጕዳያት ንምፍታሕ: ኣብ መጋቢት 2024 ሓድሽ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ከም ዝወሰደ ይፍለጥ እዩ ። እዚ
ተበግሶ እዚ ዝርርብ ንምክያድን ብሰላማዊ መንገዲ ንምቕጻልን ዝዓለመ ኮይኑ ካብ ክልላትን ፌደራልን ዝተወከሉ ኣካላት ዝሓቖፈ
ናይ ዕርቂ ኮሚተ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምይይጥ ንምቅልጣፍን ኣብ መጻኢ ግጭታት ንምዕጋትን ዝዓለመ እዩ ።
እዚ ትማሊ ሮቡዕ 13 ሰነ 2024፥ናብ ክልል ሶማልያ ኣስቡሊ፡ኣብ ዝተብሃለ ግዝኣት 50 ኪሎሚተር ጥሒሱ ብዓሌታት ዓፋር ዝወረደ መጥቃዕቲ፥ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከም ዘውረደ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ይሕብር።
ክልቲኦም ኣካላት ንሕድሕዶም ኣብ ምክሳስ ከም ዝርከቡ ክፍለጥ ከሎ፥ትካል ተጣበቒ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓዘኑ ብምግላጽ ነቲ ተግባር ከም ዝዀነኖ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ የረድእ።