ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሶማል ብነታጒ ተቐቲሉ

ኣብ ደቡባዊ ሶማል፡ ብቐዳም 15 ሰነ ሓንቲ ወተሃደራዊት መኪና፡ ሃንደሳ ኣልሸባብ ዝቐበርዎ ነታጒ
ድሕሪ ምርጋጻ፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ከምዝሞተ ጋሮወኦንላይን ሓቢሩ።
ኣብ ክፍለ-ሰራዊት 60፡ ኣዛዚ 8ይ ብርጌድ ዝነበረ ኮሎኔል መሓመድ ኑር ማድደረ፡ ኣብ ወሰናስን
ባይድያ፡ ርእሰ-ከተማ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ክበጽሕ ከሎ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢምዎ። ንሱ ብኡ ንብኡ
ክመውት እንከሎ፡ ዓጂቦምዎ ዝነበሩ ወተሃደራት ከኣ ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ ሕክምና ከምዝርከቡ
እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኮሎኔል መሓመድ ኑር ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ልዑል ዝናን ክብርን ዝነበሮ ኮይኑ፡ ሞቱ፡ ሰራዊት
ሶማል ኣንጻር ኣልሸባብ ካልኣይ ገጽ ስርሒታት ንምክያድ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን እዩ ዘጋጥም
ዘሎ።

ሞት ናይቲ ኮሎኔል፡ ነቲ ኣብ ሶማል ዝካየድ ዘሎ ናይ ምርግጋእ ተልእኾ ዓቢ ጽፍዒት ምዃኑ፡ ንሰበ-
ስልጣን’ታ ሃገር ብምጥቃስ ጋሮወኦንላይን ኣገንዚቡ።

ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝዓለመ ስርሒታት፡ ኣብ ዞባታት ጋልሙዱግን ሂርሸበሌን
ምክያዱን ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ኣባላት ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለ ከምዝተቐትሉን ይዝከር።