ዝሓለፈ ሰሙን ሓይልታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም ብኢራን እናተደገፉ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ዓበይቲ መራኽብ ንግዲ ብተደጋጋሚ መጥቃዕትታትን ናይ ጭውያ ስርሒታትን ከካይዱ
ዝጸንሑ ዕጡቓት ጉጅለ ሑቲ ዕዉት ናይ ደብዳብ ስርሒት ብምክያድ ነቲ ዓበይቲ መራኽብ ንምክትታል ክሕግዞም ዝጸንሐ ራዳራት ከም ዘዕነውዎ መደበር ዜና CNN ሓቢሩ።
ሰራዊት ምክልኻል ኣሜሪካ ኣብቲ ሓይልታት ሑቲ ዝቆጻጸርዎ ከባቢታት የመን ተደኲኑ ንዝነበረ 7 ራዳራት ምሉእ ብምሉእ ከም ዘዕነውዎ ካብ ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ
ከረድእ ከሎ፣ እዚ ናይ ሕጂ ዕውት ስርሒት፣ ድሕሪ’ቲ ሓይልታት ሑቲ ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ናይ ሃገረ ላይበርያ ባንዴራ ዝተኸተለት ብግሪኽ ትውነንን ትመሓደርን ዓባይ መርከብ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ እዩ ተኻይዱ።
ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ ኣብ ልዕሊ እታ ብግሪኽ እትውነን ዓባይ ናይ ንግዲ መርከብ መጥቃዕቲ ምስ ፈጸሙ፣ እታ መርከብ ብኸቢድ ከም ዝተሃስየትን ማይ መሊኣ ክትጥሕል ኣብ ዝጀመረትሉ
እዋን ድማ፣ ስራሕተኛታትን ተሳፈርትን ናይታ መርከብ ብናይ ኣሜሪካን መሻርኽታን ክፍሊ ህይወት ኣድሕን ተሓጊዞም ምስታ መርከብ ካብ ምጥሓል ከም ዝደሓኑ ማዕከን ዜና CNN ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ዕጡቓት ጉጅለ ሑቲ ኢራን ብእትገብረሎም ወተሃደራዊ ደገፍ ተሓጊዞም ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ዓበይቲ መራኽብ ንግዲ፣ ዓሰርተታት ሚሳይላት ብምትኳስን ናይ ድሮን መጥቓዕቲ ብምግባር
ጠንቂ ዘይምርግጋእ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ኰይኖም ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።