ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተኣሳሲሩ ኣብ ወተሃደራዊ መዳጎኒ መዓስከር ተሓዪሮም
ዝጸንሑ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ከምእተፈትሑ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
እዞም በቃሉ ኣላምረው፡ በላይ ማናዬን ቴዎድሮስ ዘርፉን ዝተባህሉ ጋዜጠኛታት፡ ዝሓለፈ ሰሙን
ንቀዳማይ ደረጃ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ “ኣካል ናጻ ናይ ምውጻእ” ዝበልዎ ጥርዓን ድሕሪ ምቕራቦም፡
ከይደጎዩ እዮም ተፈቲሖም።
ኣብ ጥርዓኖም፡ ፌደራላዊ ፖሊስ፡ ቅዋማዊ መሰሎም ብምጥሓስ ተዳጒኖም ክጸንሑ ከምዝገበረ
ብምረት ገሊጾም ነይሮም።
ኢትዮ ኒውስ ናይ ዝተባህለ ናይ መርበብ ማዕከን ዜና መስራትን ኣዳላውን ዝነበረ በላይ ማናዬ ኣብ
ወርሒ ሕዳር 2024 እዩ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ፖሊስ ውዒሉ። ንሸውዓተ ኣዋርሕ ኣዋሽ ኣርባ ኣብ
ዝተባህለ ወተሃደራዊ መዓስከር ተዳጒኑ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፡ ብሰኑይ 17 ሰነ ድማ ተፈቲሑ።
ዓሰርተ ኣዋርሕ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣዋሽ ኣርባ ተዳጒኑ ዝጸንሐ ካልኣይ ጋዜጠኛ ቴዎድሮስ
ዘርፉ ድማ ብቐዳም 15 ሰነ ተፈቲሑ ኣሎ። ንሱ፡ ምንሊክን ኣባይን ኣብ ዝተባህሉ ናይ ናይ መርበብን
ናይ ሳተላይት ቴለቪዥንን ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዘተኮረ መደብ የዳሉ ምንባሩ ይፍለጥ።
ሳልሳዮም ከኣ፡ መስራትን ኣዳላውን ኣልፋ ናይ ዝተባህለ ማዕከን ዝኾነ ጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረው እዩ።
ንሱ፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ብ17 ሰነ ተፈቲሑ።