ኡጋንዳ፡ ዛጊት ልዕሊ 33 ሽሕ ሱዳናዉያን ስደተኛታት ተቐቢላ ከም ዘላ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ካብዚኣቶም እቶም 19 ሽሕ ኣብ መጀመርታ ዓመተ 2024 ናብ ካምፓላ ዝኣተዉ ኮይኖም፡ መብዛሕትኦም ካብ’ቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዘምለጡ’ዮም።
እቶም ስደተኛታት፡ መብዛሕትኦም ካብ ከተማ ኻርቱም ዝመጹ ኮይኖም፡ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ብደረጃ ዩኒቨርሲቲ ዝተመሃሩ እዮም።
ኡጋንዳ ንሱዳናዉያን ሓዊስካ፡ ኣብ ሰሙን ብማእከላይ ገምጋም 2,500 ስደተኛታት ትቕበል ከም ዘላ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።
ይኹን’ምበር፡ ጸገም ስደተኛታትን ኣኣንገድቶም ሕብረተሰባትን ንምቅላል ዝተሓተተ ኣህጉራዊ ፋይናንስያዊ ሓገዝ፡ ዛጊት 13% ካብኡ ጥራይ ተግባራዊ ከም ዝዀነ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የፍልጥ።