ኣብ ጋሮወ፡ ርእሰ-ከተማ ክፍለ-ሃገር ፑንትላንድ ናይ ሶማል ዝርከቡ፡ መንበሪ ወረቐት ዘይብሎም
ኢትዮጵያውያን ካብታ ሃገር ክወጹ ከምእተነግሮም፡ ጋሮወኦንላይን ሓቢሩ።
እዚ ንቐዳምነታት ናይታ ከተማ ናብ ምክልኻልን ሓለዋን ሃገራዊ ድሕነት ንምምእዛን ዝዓለመ ምዃኑ
ዝተገልጸ መምርሒ፡ ኩሎም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብህጹጽ ክወጹ ወይ ከኣ ሕጋዊ ስጉምቲ
ክውሰደሎም ምዃኑ’ዩ ዘጠንቅቕ።
ከንቲባ ከተማ ጋሮወ ኣብዲቃድር መሓመድ ማሕሙድ ገዲ፡ እቶም ነቲ መምርሒ ኣኽቢሮም
ብህጹጽ ካብታ ሃገር ዘይወጹ ስደተኛታት፡ ብሓይሊ ተጻዒኖም ናብ ሃገሮም ክስጎጉ ምዃኖም
ኣፍሊጡ።
ንሱ፡ ብምኽንያት ዒድ ኣልኣድሓ ብሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ጸጥታ ናይታ ከተማ
ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘይኣቱ ብምምልካት፡ “ብዘይሕጋዊ ወረቐት ኣብዛ ከተማ ንዝነብሩ
ኢትዮጵያውያን መልእኽቲ ኣለኒ፣ ንዓኻትኩም ሓንጎፋይ ኢልና ንምቕባል ኣበርቲዕና ሰሪሕና ኢና።
ሕጂ ግን እቲ ግዜ ኣኺሉ እዩ፣ እቶም ብዘይ ፍቓድ እትነብሩ፡ ካብዛ ከተማ ውጹ” ክብል ብሓይለ-ቓል
ኣዚዙ።
ኣብ ከተማ ጋሮወ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከምዘለዉ እቲ
ምንጪ ኣረዲኡ።