ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ሱዳን ንሰብኣዊ ረዲኤት ዝውዕል 70 ሚልዮን ዶላር ከምዝለገሰት
ሱዳን ትሪቢዩን ሓቢሩ።
እታ ሃገር ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተቓንዐ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ዋዕላ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ
ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቕራፍ 100 ሚልዮን ዶላር ከምዝተመባጽዐት ዝዝከር ኮይኑ፡ በዚ ናይ ሕጂ
ልግሲ ድሮ 70 ሚእታዊት ናይ መብጽዓኣ ኣማሊኣ ኣላ።
ብሰኑይ 17 ሰነ ካብ ኣቡዛቢ ዝወጸ መግለጺ ከምዘነጽሮ፡ እቲ ሓገዝ ኣብታ ሃገር ንዝነጥፋ ኤጀንሲታት
ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ናይ ግብረ-ሰናይ ውድባትን ክከፋፈል እዩ።
እቲ ሓገዝ፡ ንመግቢ፡ ሓለዋ ጥዕና፡ ደገፍ መነባብሮ፡ ግዜያዊ መጽለሊን ንድሕነት ደቀንስትዮን ክውዕል
ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሪም ቢንት ኢብራሂም ኣልሓሽሚ፡ ሃገራ
ህዝቢ ሱዳን ንምሕጋዝ ዘይዕጸፍ መብጽዓ ከምዘለዋ ኣስሚራ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ጫድን ደቡብ ሱዳንን ንዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት እውን ሓጊዛ
እያ። ብፍላይ ኣብ ጫድ ክልተ ናይ መሮር ሆስፒታላት ከምዝሃነጸትን ሕክምናዊ ቀረባት
ከምዝለኣኸትን ይፍለጥ።