ክፍሊ ኢምግሬሽንን ዜግነታዊ ኣገልግሎታትን ማላዊ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሰሜናዊ ዞባ ተቐዪዶም
ዝጸንሑ 238 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ዓዶም ንምስጓግ ተዳልዩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
እቶም ስደተኛታት ናብ ማላዊ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ከምዝኣተዉን ንሕግታት ኢምግሬሽን’ታ ሃገር
ከምዝጠሓሱን እዩ ክፍሊ ኢምግሬሽንን ዜግነታዊ ኣገልግሎትን ዘረድእ።
ወሃብ ቃል ናይቲ ክፍሊ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ሰርጀንት ፍራንሲስ ቺታምቡሊ፡ ነቶም ስደተኛታት ናብ
ሃገሮም ናይ ምምላስ መስርሕ ብኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ.ኦ.ኤም.) ተቐባልነት ደገፍን
ከምዝረኸበ ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ኢምግሬሽን ሰሜናዊ ዞባ ካብ ጥሪ 2024 ንደሓር ጥራይ 142 ኢትዮጵያውያን
ዝርከብዎም 173 ወጻእተኛታት፡ ንሕግታት ኢምግሬሽን ብምጥሓሶም ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ
ጸብጻባት ይሕብሩ።
ዳርጋ ኩሎም’ቶም ስደተኛታት ናብታ ሃገር ብስግረ-ዶብ ዝኣተዉ እዮም።