ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ዝተፈረመ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ስምምዕ፡ ኣልሸባብ ሓደስቲ
ተዋጋእቲ ንኽምልምል ከምዘኽኣሎ፡ ሰብ መዚ ምክልኻል ኣመሪካ ምዝራቦም፡ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር
ጸብጺበን።
እቶም ሰበ-ስልጣን፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ሰራዊት ሶማል ኣብ ማእከላይ ከባቢታት’ታ ሃገር
ንዘመዝገቦም ኩሎም ዓወታት፡ ኣልሸባብ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ከቢሱ ናብ ረብሕኡ ክቕዪሮም
ከምዝኸኣለ ምግላጾም እተን ማዕከናት ኣረዲአን።
የመናዊ ዕጡቕ ሓይሊ ሑቲ ንኣልሸባብ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝሰርሕሉ ሰለስተ ሰብ ሞያ
ከምዘለኣኸሎም’ውን እቶም ሰበ-ስልጣን ኣፍሊጦም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሶማል ኣብዲቃድር መሓመድ ኑር፡ እቲ ኣብ መንጎ
ኢትዮጵያን ሶማሊ ላንድን ዝተፈረመ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ስምምዕ፡ “ናይ ቀትሪ ሕልሚ” እዩ ክብል
ምቁንጻቡ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ኣጋዊሐን።
“ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ ስድሪ መሬት ሶማል ክትወስድ ከምዘይትኽእል ትፈልጥ’ያ” ዝበለ እቲ ሶማላዊ
ሚኒስተር፡ ሶማል በዚ ስምምዕ’ዚ ሓድነታ እንተተጣሒሱ፡ ወተሃደራዊ ስልቲታት ክትጥቀም
ከምእትኽእልን’ውን ኣጠንቂቑ።