ኣብ ትግራይ፡ ወረዳ ሕንጣሎ ብሕማም ነፍሪ ዝተበከለ ስጋ ዝበልዑ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱን
ሸሞንተ ካልኦት ኣብ ሆስፒታል ከምዝርከቡን ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢሩ።
መብራህቶም ሃብታይ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ሓለዋ ጥዕና’ቲ ክልል፡ እቶም ሰባት ናይ ዘይተኸትበ
ብዕራይ ስጋ ብምብልዖም እቲ ሓደጋ ከምዝሰዓበ ገሊጹ።
ብ5 ሰነ ሕሙም ብዕራይ ተሓሪዱ ናብ ኣስታት 50 ሰባት ከምእተጎዘየን፡
ነዚ ትራጂካዊ ክስተት ከምዘኸተለን እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።