ነቶም ካብ ማእከላይ ምብራቕ፥ኣፍሪቃን ኤስያን ናብ ኣውሮጳ ዝኣተው ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክግዕዙ ካብ ዝገብሮም ዘሎ ጽኑዕ ሕግታት፥ፖሊስታትን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ከም ምኽንያት ይኸውን ከም ዘሎ ተገሊጹ።
መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፡ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ተጻባኢ ዝዀነ መርገጺ ከም ዘለዎ ይፈልጥ’ዩ ግን ብዙሓት ስድራ-ቤታት ወይ ድማ መቕርቦም ኣብ ብሪጣንያ ስለ ዘለዎም ‘ሰፊሕ ዕድላት ኣሎ’ ብምባል ናብ ዓዲ እንግሊዝ ይውሕዙ ከም ዘለው ዝግለጽ ኰይኑ፡ ብመሰረት ሕጊ ዑቕባ ዓዲ እንግሊዝ ስደተኛታት ንፈለማ እዋን ዝኣተውዎ ሃገር ሕብረት ኣውሮጳ ዑቕባ ክሓቱ ኣለዎም እንተዀነ ብሰንኪ ህልው ኩነታት ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ናብ ከም ቬትናም ዝኣመሰላ ሃገራት ብምኻድ ዳግማይ ብመገዲ ፈረንሳ ኣቢሎም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኣትው ከም ዝፍትኑ ማዕከን ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ዝዘርግሖ ሓበሬታ የረድእ።
20 ሰነ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስደተኛታት ብምዃኑ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ብክኢላታቱ ኣቢሉ ብዛዕባ ስደተኛታት ዝምልከት መግለጺ ዘርጊሑ ይርከብ።
ክቡራት ተኸታተልቲ መደበር ተለቪዥን ኤሪሳት፡ብዛዕባ እቲ መግለጽን ሓፈሻዊ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ሓበሬታ ሒዝናልኩም፡ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወና ከነቕርበልኩም ኢና።