ኣብ ክልል ኣምሓራ ናይ ኢትዮጵያ፡ ጂጋ ኣብ ዝተባህለ ከተማ ብውሑዱ 18 ሰላማውያን ሰባት
ብሓይልታት ጸጥታ ከምእተቐትሉ ንነበርቲ ናይቲ ከባቢ ብምጥቃስ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ሓቢሩ።
ብ16 ሰነ ኣጋ ምሸት ሰራዊት ዝጸዓና ሰለስተ ፓትሮል መኻይን ካብ ደንበጫ ናብ ጅጋ ኣብ ዝኣትዋሉ
ዝነበራ እዋን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣባላት ፋኖ ኣብ ልዕሊ’ታ ቀዳመይቲ መኪና መጥቃዕቲ
ፈንዮም ከምዝሃደሙን ኣብተን ክልተ ዳሕረዎት ዝነበሩ ወተሃደራት በቲ መጥቃዕቲ ንዝወደቑ
ብጾቶም ኣልዒሎም ከምዝኸዱን ናይ ዓይኒ መሰኻክር ገሊጾም። ድሕሪ ደቓይቕ ከኣ፡ ሓይልታት
ጸጥታ መንግስቲ ናብታ ከተማ ብምምጻእ፡ ጎህ ኣብ ዝበሃል ሆቴል ንዝነበሩ ሰባት ኣውጺኦም ኣብ
ጽርግያ ድሕሪ ምስራዕ ከምዝረሸንዎም እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ኣረዲኦም።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ’ውን ኣብቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ከምእተፈጸመ ሓበሬታ
ከምዝበጽሖ ጠቒሱ፡ ነቲ ፍጻመ የጻርዮ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።