ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ መንግስቱ ምስ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ክዛተ ቅሩብ ምዃኑ
ገሊጹ።
ንሱ ኣብ ቱርኪ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ መንግስቲ ሶማል ምስቲ
ዕጡቕ ጉጅለ ንምዝርራብ ድሕር ከምዘይብልን፡ ትማሊ ኮነ ጽባሕ ንዘተ ቅሩብ ምዃኑን ከምዝገለጸ
ማዕከናት ዜና ሶማል ኣፍሊጠን። ኣልሸባብ’ውን ንዝርርብ ድሉው ከምዝኸውን ድማ ተስፍኡ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ሶማል ንምንታይ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኣልሸባብ ናይ ዘተ ሓሳብ ከምዘልዓለ ንጹር ከምዘይኮነ
እቶም ጸብጻባት ኣመልኪቶም። ገለ ተንተንቲ ከኣ፡ ዘረባ ናይቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ መሪሕነት ሶማል
ምክፍፋል ክፈጥር ከምዝኽእልን ኣብ ዝመጽእ ፕረዚዳንታዊ ምርጫ’ታ ሃገር ዓቢይ ጽልዋ ክህልዎ
ከምዝኽእልን ይእምቱ ኣለዉ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣልሸባብ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ብዝርከብዎም ሸውዓተ ቋንቋታት
ዝተዳለወ ናይ ፕሮፖጋንዳ ፊልም ከምዝዘርግሐ ጋሮወ ኦንላይን ሓቢሩ። እቲ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ልዕሊ
ሓደ ሰዓት ዝኸይድ ኮይኑ፡ ኣልሸባብ “ፍሉይ ሓይሊ” ዝበሎም ተዋጋእቲ፡ ወተሃደራዊ ታዕሊም
እናወሰዱን እናተመረቑን ዘርኢ እዩ።
ቅድሚ ክልተ ዓመታት፡ ተዋጋእቲ ናይቲ ጉጅለ ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ሓያለ ኪሎ ሜትራት
ሰንጢቖም ብምእታው፡ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ምውግኦም ዝዝከር እዩ።