ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ኣብ ኣልፉላ፡ ርእሰ-ከተማ ምዕራብ ኮርዶፋን ድሕሪ ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ
ሎሚ 20 ሰነ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ነታ ከተማ እተቖጻጸርዋ ገሊጾም።
ማዕከን ዜና ዳርፉር24 ንመሰኻኽር ዓይኒ ጠቒሱ ከምዘስፈሮ፡ ሰዓት 6፡00 ንግሆ ብሸነኽ ደቡባዊ
ምዕራብ ናይታ ከተማ ዝመጻ ኣሃዱታት ፈጣን ደገፍ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት መንግስቲ መጥቃዕቲ
ድሕሪ ምፍናወን፡ ከቢድ ውግእ ተኻዪዱ። ነቲ መጥቃዕቲ ክጻወሮ ዘይከኣለ ሰራዊት መንግስቲ፡ ካብታ
ከተማ ጠቒሊሉ ከምዘዝለቐን ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ንማእከላይ መዓስከር ኣጋር ብርጌድ 91 ድሕሪ
ምቁጽጻር፡ ናብ ማእከል ከተማ ከምዝኣተዉን እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣረዲኦም።
ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ነታ ከተማ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ኣባላቶም ኣብ ውሽጢ’ታ ከተማ ዓወቶም
እናጸንበሉ ከለዉ ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሖም ኣለዉ።
እቲ ውግእ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ኣመዛቢሉ ከምዘሎ፡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።