ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ድሕነቶም ክሕሎን መሰረታዊ
ኣገልግሎታት ክቐርበሎምን ይሓቱ ኣለዉ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ሰሜን ጎንደር ዝርከቡ ኤርትራውያን ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡
ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ኣብ ከባቢኦም ብዝተገብረ
ምልውዋጥ ተዅሲ፡ ሓደ ስደተኛ ብበራሪ ጥይት ተወቒዑ ከምዝተወግአ ገሊጾም። እቲ ፍጻመ ኣብ
ድሕነቶም ዓቢይ ሻቕሎት ፈጢርሎም ከምዘሎ ድማ ኣመልኪቶም።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ምዕራብ ጎንደር ዝርከቡ ሱዳናውያን ስደተኛታት የጋጥሞም ብዘሎ ናይ ጸጥታ
ጸገምን ሕጽረት መሰረታውያን ቀረባትን ኣማሪሮም። ዝምልከቶም ኣካላት ነቶም ጸገማት ብህጹጽ
ክፈትሑሎም ድማ ጸዊዖም።
ከም ግብረ-መልሲ ነዞም ብድሆታት’ዚኣቶም፡ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመልስትን
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ መጽለሊታቶም ሃዲሞም ኣብ ጫካታት ንዘለዉ ሱዳናውያን ናብ
ካልእ ዝሓሸ ቦታ ከግዕዞም መዲቡ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።