ምስቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ተኣሳሲሩ፡ ሰበ-ስልጣን ክፍለ-ሃገር ጋዳርፍ፡ ምስ
ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ተሰሊፈን ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ ይዋግኣ ነይረን ዝበሉወን ሽዱሽተ
ኢትዮጵያውያን ደቀንስትዮ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ከምዘእተዉወን ሱዳን ትሪቢዩን ሓቢሩ።
ምንጭታት ሱዳን ትሪቢዩን ከምዘረጋገጽዎ፡ እተን ደቀንስትዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጥረየኦ ፍሉይ ናይ
ምውጋእ ብቕዓት ተጠቒመን፡ ምስ ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ተዓሲበን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክዋግኣ
ዝጸንሓ እየን።
ንሳተን፡ ኣብ ተንቀሳቓሲ ቴለፎናተን ብዝተረኽበ ስእላዊ መርትዖ እየን ኣብ ሓድሕዳዊ ኲናት’ታ ሃገር
ንጡፍ ተሳትፎ ከምዝነበረን ዝግለጽ ዘሎ።
እተን ደቀንስትዮ፡ ኣብ ከተማ ካርቱም ውግእ ድሕሪ ምጽዕጽዑ፡ ብሸነኽ ክልል ኣምሓራ ናብ
ኢትዮጵያ ክኣትዋ ኣብ ዝፈተናሉ እዋን እየን ተታሒዘን። ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተዋ ዓስበን
ክኽፈለን ምድላው ተገይሩ ምንባሩ ድማ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ጎድኒ’ቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝዋግኡ ዝነበሩ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን እውን ኣብ ትሕቲ
ምቁጽጻር መንግስቲ ሱዳን ከምዝወዓሉ እቲ ምንጪ ዘኪሩ።