ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ደረጃ ብደረጃ ደፋእ ኢሉ ንኽወጽእ መንግስቲ እታ ሃገር ንዘቕረቦ ጠለብ፡ እቲ ሕብረት ከም ዝደገፎ ማዕከን ዜና THE NEW ARAB ሓቢሩ።
ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ ብዘሕለፎ ውሳኔ መሰረት፡ ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ሓይሊ ዓቀብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ክሳዕ 31 ታሕሳስ 2024 ኣብ ዘሎ ጊዜ ምሉእ ብምሉእ ክወጽእ ይግብኦ። ብመሰረት’ቲ ውሳኔ፡ ክሳብ መወዳእታ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሰነ፡ 4,000 ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ሶማልያ ተሪፎም ዘለዉ 13,500 ሓይሊ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ክወጹ ኣለዎም። ይዂን’ምበር፡ ናይ ጸጥታ ሃጓፍ ምእንቲ ከይፍጠር፡ 2000 ኣብ ወርሒ ሰነ 2000 ከኣ ኣብ ወርሒ መስከረም ብምክፍፋል፡ እቲ ሰራዊት ደረጃ ብደረጃ ክወጽእ ሶማልያ ንዘቕረበቶ ጻውዒት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣስሚሩሉ ይርከብ። በዚ መሰረት፡ ጻውዒት ሶማልያ ምቕባል ጥራይ ዘይኰነ፡ ድሕሪ’ዚ ሕጂ ዘሎ ሓይሊ ዓቃብ ሰላም ንዝፍጠር ሃጓፍ ዝዓብስ ካልእ ሓይሊ ዓቃብ ሰላም ክቐውም፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ሕቡራት ሃገራት ጠለብ ኣቕሪቡ ኣሎ።
ጉጅለ ኣልሸባብ ተወዳዲቡ መንግስታዊ ስልጣን ከይሕዝ፡ ሶማልያ ጥራይ ዘይኰነት፡ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ከቢድ ስግኣት ከም ዘለወን እየን ዝገልጻ። በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ መወልቲ ናይ’ቲ ሓይሊ ዓቃብ ሰላም ዝዀና ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ብሰንኪ ሕቶ ፋይናንስ፡ እቲ ተልእኾ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ ናይ’ዚ ዘለናዮ ዓመት ከብቅዕ’ዩ መደበን።