ደርማስ ትካል ቦይንግ ናይ ኣፍሪቃ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈቱ ኣብ ኢትዮጵያ ክኸውን ከም ዝወሰነ ተገሊጹ። ኣቐዲሙ
ቀንዲ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ትካል ቦይንግ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ወይ ኬንያ ክኸውን ተኽእሎታት ከም ዘሎ ግምታት
ክወሃብ እኳ እንተጸንሐ፣ እቲ ገዚፍ ኣሜሪካዊ ትካል ግና ብናቱ መለክዒታት ንኢትዮጵያ ከም ዝመረጸ እዩ ዝሕበር።

ብመሰረት ካታ ዝተባህለ ኬንያዊ ናይ ጉዕዞ ወኪል ዘውጽኦ ሓበሬታ፣ እዚ ውሳኔ ድሕሪ’ቲ ትካል ቦይንግ ንኣቶ ሄኖክ ተፈራ ሻውል ናይ ቦይንግ ክፍሊ ኣፍሪቃ ዳይረክተር ክኸውን ምምዛዙ ከም ዝተወህበ እዩ ተገሊጹ።

ትካል ቦይንግ ናይ ኣፍሪቃ ዋና ቤት-ጽሕፈቱ ኣብ ኢትዮጵያ
ክገብሮ ዝወሰነሉ ረቋሒታት ብዙሕ እኳ እንተኾነ፣ እቲ
ትካል ቦይንግ ኣቐዲሙ ምስታ ኣብ መዳይ ኣቭየሽን ካብ
ጊዜ ናብ ጊዜ ቅልጡፍ ዕብየት እናኣመዝገበት ክትከይድ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝምድናታት ከም ዝጸንሖ ክሕበር ከሎ፣ ኣብ 2023 እቲ
ትካል ገለ ክፋል ነፈርቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝስርሓሉ ኩነታት ንምፍጣር ምስ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ስምምዕ ብምግባር
ከም ዝተፈራረመ ይፍለጥ።

ብመሰረት እቲ ትካል ቦይንግን ኢትዮጵያን ዝተፈራረምኦ ሓባራዊ ስምምዕ ኣብ ኢትዮጵያ ትካል ቦይንግ 300 ናይ
ስራሕ ዕድላት ንምፍጥር ከም ዝሰርሕ ገሊጹ ነይሩ እዩ።

ኢትዮጵያ ንኸም በዓል ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ቀዲማ ናይቲ ገዚፍ ትካል ቦይንግ ማእከላይ ቤት ጽሕፈትን መፍረ
ዝተፈላለያ ነፈርትን ክትከውን ምምራጻ፣ ትካል ቦይንግ ዝሓሸን ውሕሰነት ዘለዎ ናይ በረራን ኣቬሽንን ኣሰራርሓ
ከም ዘለዋ ብምግምጋሙ ከም ዝኾነ እዩ ዝሕብር።