ኣብ ትግራይ፡ ገለ ካብ መማህራን ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ክብሪ ክራይ ገዛ ስለዝኸበዶም ኣብ ናይ ተማሃሮ
መደቀሲ (ዶርሚተሪ) ይድቅሱ ከምዘለዉ፡ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ሓቢሩ።
እቶም መማህራን፡ ክራይ ገዛ ከምዝኸበዶም ናብ ምምሕዳር ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ዘቕረብዎ
ጥርዓን፡ ኣብቲ ዶርሚተሪ ብግዜያውነት ክጸንሑ ተፈቒድሎም ይነብሩ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ
ኣረዲኡ።
ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት፡ መማህራን ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ 17 ኣዋርሕ ደሞዝ
ስለዘይተኸፍሎም ብኣሽሓት ዝቑጸር ዕዳ ክራይ ገዛ ተዋህሊልዎም ከምዘሎ ዝገለጸ ኢትዮጵያ
ኢንሳይደር፡ ጥርዓን ምቕራብ ካብ ዝጅምሩ ክልተ ዓመታት ከምዘቝጸሩ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዓመተ 2000 ብዝወጸ ሕጊ ዝቖመ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ
ሰራሕተኛታት ክህልዉዎ እንከለዉ፡ ክልተ ሽሕ ካብኣቶም መማህራን እዮም። ዝበዝሑ ካብቶም
መማህራን ከኣ ኣብ ገዛ ክራይ ዝነብሩ ምዃኖም ካብቲ ትካል ዝተረኽበ ጸብጻብ የረድእ።