መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ኢትዮጵያን ቡሩንዲን ስደተኛታት ናብ ሃገራቶም
ክምለሱ ሓቲቱ።
ሰበ-ስልጣን ኢምግሬሽን ናይታ ሃገር፡ ደቡብ ሱዳን ብሓፈሻ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ስደተኛታት
ኣዕቊባ ከምዘላ ጠቒሶም፡ ብዝሒ ስደተኛታት ልዑል ጸቕጢ ፈጢርላ ከምዘሎ ምግላጾም ማዕከናት
ዜና’ታ ሃገር ሓቢረን።
እቶም ሰበ-ስልጣን ኢምግሬሽን፡ ኣብ ክልል ጋምቤላ ናይ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ብተዛማዲ ሽግር
ስለዘየለ፡ ካብቲ ክልል ዝመጹ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ጻውዒት ኣቕሪቦም
ኣለዉ።
ኩሎም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት
ብምትሕብባር ሓደስቲ ሞያታት ከጥርዩ’ውን እቶም ሰበ-ስልጣን ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።
ይኹን’ምበር፡ ፍቓደኛ ንዘይኮኑ ስደተኛታት ናይ ምስጉግ ኣፋፍኖት ከምዘየለ እቲ ሓበሬታ የረድእ።