ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፡ ሳልቫኪር ማያርዲት፡ ብ21 ሰነ 2024፥ ምስ ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍሊጶ ግራንዲ፡ ተራኺቡ ኣብ ጉዳይ ቅልውላውን ምምላስ ስደተኛታትን ኣድሂቡ ከም ዝተዘራረበ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ሚኒስተር ሰብኣዊ ጉዳያትን ምክልኻል ሓደጋን እታ ሃገር፡ ኣልቢኖ ኣኮል ኣታክ፡ ዝተረኽበሉ ናይ ዝርርብ ኣጋጣሚ፡ ጉዳይ ሰላምን ምርግጋእን ሱዳን ብሓፈሻ፡ ሱዳናውያን ስደተኛታት ምስ ነባሪ ሕብረተሰብ ዝወሃሃድሉ ኣገባብ ኣብ ምፍጣር ከኣ ብፍላይ ኣድሂቦም ከም ዝተዘራረቡ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ግራንዲ ብወገኑ፡ እቲ ርክብ፡ ብቐንዱ ኣበርክቶ መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ዓለምለኻውያን ትካላትን ንምሕታት ኰይኑ፡ ናይ መጨረሽታ ዕላማኡ ከኣ ምትሕብባር ንስደተኛታትን ሰብኣዊ ሓገዛት ምግባርን ከም ዝዀነ ገሊጹ።
ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ሚያዝያ 2023 ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት ሕድሕድ ኣስታት 8 ሚልዮን ዜጋታት፡ ፍርቂ ኣብኦም ሕጻናት ፡ ካብታ ሃገር ከም ዝተሰደዱ ይፍለጥ። ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ካብዞም ስደተኛታት ድማ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተዓቚቦም ከም ዘሎዉ ጸብጻባት የረድኡ።