ስዊዘርላንድ ተቐማጥነቱ ኣብ ናይሮቢ፡ ኬንያ ዝገብር፡ ምስ ኤርትራ ዘራኽብ ልኡኽ ክትሰድድ ምዃና
ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ኣፍሊጠን።
ዕላማ ናይቲ ልኡኽ፡ መንግስቲ ኤርትራ ስደተኛታት ዜጋታቱ ክቕበል ምይይጥ ንምጅማር ምዃኑ እቲ
ሓበሬታ የረድእ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽገ 260 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ
ከምዝርከቡ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፡ ነዚኣቶም ባይቶ’ታ ሃገር ብሳልሳይ ሃገር ኣቢሉ ናብ ዓዶም
ክመልሶም ኣብዚ ወርሒ’ዚ ከምዝወሰነ ኣዘኻኺሮም።
ክልቲአን ሃገርት ስደተኛታት ንምልኣኽ ይኹን መሊስካ ንምቕባል ዛጊት ዝተፈራረምኦ ስምምዕ
የለን።