ኣብ ክልል ትግራይ ትማሊ 23 ሰነ፡ ተፋናቐልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝጠልብ ሰፊሕ ሰላማዊ
ሰልፊ ከምእተኻየደ ሬድዮ ዋዜማ ገሊጻ።
ኣብቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ዝተሳተፍዎ ኣብ ከተማታት መቐለ፡ ዓዲ ግራት፡ ዓድዋ፡
ኣኽሱምን ሽረን ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ሰልፈኛታት፡ መንግስቲ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ክሳብ 07 ሓምለ
ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ መረበቶም ክመልሶም ሓቲቶም።
ብተወሳኺ፡ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶርያ ብኣገባብ ክትግበርን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ
ክኽበርን ሕቶ ኣቕሪቦም።
ዋና ኣመሓዳሪ ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንሰልፈኛታት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡
ተፈናቐልቲ ቅድሚ ክራማት ምእታዉ ናብ መረበቶም ንምምላስ፡ ምምሕዳሩ ምስ ፈደራላዊ
መንግስትን መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ዝርርብ የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ።