ሶማል፡ “ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን ዶብ ሰጊሩ ናብ መሬተይ ብምእታው ልኡላዊ ግዝኣተይ
ጥሒሱ” ክትብል ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከሲሳ።
ባይቶ ጸጥታ ትማሊ 24 ግንቦት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሶማል ኣተኲሩ ኣብ ዝዝትየሉ ዝነበረ እዋን፡
ቀዋሚ ልኡኽ ሶማል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣቡበከር ዑስማን ኣብ ዘስምዖ ንመርገጺ
መንግስቱ ዝገልጽ መደረ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዶብ ሶማል ጥሒሱ ብምእታው
ምስ ሓይልታት ጸጥታ’ታ ሃገር ምልውዋጥ ተዅሲ ከምዝገበረ ገሊጹ።
ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ስምምዕ ብህጹጽ ክትስርዝ እውን እቲ
ሶማላዊ ኣምባሳደር ሓቲቱ ኣሎ።
ኣብቲ ኣኼባ፡ ኣመሪካ፡ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ሰፊኑ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥርን ኣብ ሓባራዊ ናይ
ጸጥታ ረብሓታት ዝህልዎ ጸቕጥን ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ።
ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብቲ ውድብ ኣምባሳደር ሮበርት ዉድ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡
ሉኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ሶማል ክኽበር ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ካልኦት መሻርኽትን ዝሓዝዎ
መርገጺ፡ ኣመሪካ’ውን ከምእትድግፎ ብምግላጽ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡
መፍትሒኡ ምዝርራብ ጥራይ ምዃኑ ኣገንዚቡ። ዞባዊ ወጥርታት፡ ምስ ኣልሸባብ ንዝግበር ውግእ፡
ንመስርሕ ምትካእ ተልእኾ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ሶማልን ንጻዕርታት ህንጸት ሃገርን ዕንቅፋት ክኾኑ
የብሎምን” ድማ ኢሉ።